New Eritrean Comedy 2016 Welfas Eritrea

እዚ ትምህርታዊ ድራማ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ እዩ ተዳልዩ። ዕላምኡ ድማ ምስ ጉዳይ ስነ-ተዋልዶ ጥዕና ኣብ ዙርያ ምጥቃም መቖፃፀሪ ወሊድን ምንፃል ጥንሲን ዘድሃበ ዘተ ንኽካየድ ንምልዕዓል እዩ። መናእሰይ ኣብ ዕድመ ጉርምስንኦም ንመፃኢ ሂወቶም ሳዕቤናት ዘለዎም ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እዮም ወሲዶም። እዚ ድራማ ኣማራፂታት ስነ-ተዋልዶ ብመልክዕ ሜላታት ምክልኻልን ውሑስ ምንፃል ጥንሰን ብሕጋዊ መንገዲ ቐሪቦም እናሃለው ግን ድማ ልምዲታት ስርዓተ-ፆታ ዘሕድርዎ ፅልዋ ዳህሲሱሎ። ብዛዕባ እቶም ኣማራፂታት ዘሎ ግንዛበ ዝተሓተ እዩ። ኣብ ዙርያ ዕድመ አከልነትን ዛዕባታት ስነ-ተዋልዶ ጥዕና ዘሎ ስቕታ እውን ሰፊሕ እዩ። ምስ ምዕቃብ ድንግልና ጓል ኣንስተይቲ ብዝተዛመደ ቅድሚ መርዓ ገደብ ፆታዊ ርክብ እንተሃልዩሞ እንተድኣ እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ እተን ንኽዳለዋን ዓርሰን ክከላኸላን ኣፀጋሚ እዩ ዝኾነን። እዚ ሓፂር ትምህርታዊ ድራማ ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ንምዃን ዘኽእሉ ኣማራፂታት ይህልውዶ ዝብል ሕቶ እውን ኣልዒሉሎ። እዚ ትምህርታዊ ድራማ ብዛዕባ ንመናእሰይ ስነ-ተዋልዶ ጥዕና ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርገን ብዝሳለጥ መፅናዕታዊ ፕሮጀክት ኣቢሉ ካብ ኖርዊጀን መፅናዕቲ ካውንሲል/ኖርግሉባል ብዝተረኸበ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ ተዳልዩ። ነቲ መፅናዕቲ ዘድሊ መረዳእታ ድማ በዚ ድራማ ኣቢልካ ምስ መናእሰይ፣ ወለዲ፣ መምህራን፣ ሰራሕተኛታት ጥዕና፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ሕብረተስብን ካብ ዝካየድ ዘተ ይርከብ።